Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መዝሙረ ዳዊት 101:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ንፁህ መንገዲ ኸስተውዕል እየ፤ ናባይ መኣዝ ክትመፅእ ኢኻ? ኣብ ማእኸል ቤተይ ብንፁህ ልቢ ኽመላለስ እየ።

Ver Capítulo Copiar




መዝሙረ ዳዊት 101:2
22 Referencias Cruzadas  

ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”


ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብፅድቅን የመሓድር ነበረ።


ሰሎሞን እናኣረገ ምስ ከደ እተን ኣንስቱ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምልኽ ንልቡ ኣዘንበላኦ፤ ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍፁም ከም ዝነበረ ልቢ ሰሎሞን ከምኡ ኣይነበረን።


“ንስኻ ድማ፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር፥ ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ከዓ ኽትሕሉ፥ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንፅህና ልብን ብቕንዕናን ዝነበረ፥ ኣብ ቅድመይ እንተ ነበርካ፥


ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ግና ካብ እስራኤል ኣየወገዶን፤ ልቢ ኣሳ ግና ብምሉእ ዘመኑ ፍፁም ነበረ።


መሊሱ ሓደ ልቢ ንኽህቦም ብቓል እግዚኣብሄር ንዝኾነ ትእዛዝ ንጉስን ኣሕሉቑን ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኾነ።


ምሳይ ምእንቲ ኽነብሩ፥ ኣዒንተይ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እታ ምድሪ እየን፤ ብመንገዲ ንፅህና ዝኸይድ፥ ንሱ ኸገልግለኒ እዩ።


ንፍርድታት ፅድቅኻ ክሕሉ መሓልኩ፤ ኣፅናዕኽዎውን።


ትእዛዛት ኣምላኸይ ክደልስ፥ ኣቱም ዓመፀኛታት ካባይ ረሓቑ።


ኣነ ግና ብየዋህነተይ ከድኩ፤ ኣድሕነኒ፤ መሓረኒውን።


ኣነ ፅጉምን ምስኪንን እየ፤ ጐይታ ግና ይሓስበለይ እዩ፤ ንስኻ ረዳእየይን መድሓኒየይን ኢኻ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ኣይትደንጒ።


“ካብ መሬት ዝተሰርሐ መሰውኢ ግበረለይ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣባጊዕኻን ኣብዑርካን ዝቃፀል መስዋእትኻን፥ መስዋእቲ ድሕነትካን ሰውእ። ስመይ ክዝከር ኣብ ዝገበርኩሉ ዅሉ ቦታ ናባኻ መፂአ ኽባርኸካ እየ።


“ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝተመላለስኩን፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር” በለ። ሕዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ።


ንደቅኻ ንገሮም፤ ኣብ ገዛኻ ኮፍ እንትትብል፥ ኣብ መንገዲ እንትትከይድ እንትትድቅስ እንትትትስእ ዅልሻዕ ዘክሮ፤ ኣስተንትኖውን።


ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”


ኣቢሜሌክ ከዓ ንንጉስ “ካብ ኵሎም ሹመኛታትካ ኸም ዳዊት ዝተኣመነ፥ ሰብኣይ ጓልካውን ዝኾነ፥ ሓለቓ ሓለውትኻ፥ ኣብ ቤተ መንግስትኻውን ዝኸበረ፥ መን ኣሎ?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos