1 ምሕረትን ፍትሕን እቕነየልካ ኣለኹ፤ ኦ ጐይታ፥ ምስጋና ክዝምረልካ እየ።
ብዝሒ ሕያዋይነትካ ብሓጐስ ከውፅኡ፥ ብፅድቅኻውን ሓሴት ክገብሩ እዮም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ምድሓነይ፥ ካብ ደም ኣናግፈኒ፤ ኣንደበተይውን ብፅድቅኻ ኽትሕጐስ እያ።
ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ ምሕረትካ ንዘለኣለም ክዝምር እየ፤ ተኣማንነትካውን ንውሉድ ወለዶ ብኣፈይ ክነግር እየ።
ብንግሆ ምሕረትካ፥ ብለይቲውን ተኣማንነትካ ምንጋር ሰናይ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ስለ ፍርድኻ ፅዮን ሰሚዓ ተሓጐሰት፤ ኣጓላት ይሁዳውን ደስ በለን።
ኣታ ሰብ፥ ንሱ ዅሉ ሰናይ ነጊሩካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቕንዕና ኽትገብር፥ ምሕረት ከዓ ኽትፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካውን፥ ብትሕትና ኽትነብርዶ ኣይኮነን?
እምበኣር ናይ ኣምላኽ ሕያዋይነትን፥ ጭካነን ኣስተውዕል፤ ኣምላኽ ነቶም ዝወደቑ ጨካን፥ ንኣኻ ግና ኣብ ሕያዋይነቱ ፀኒዕኻ እንተ ነበርካ፥ ሕያዋይ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻውን ክትቍረፅ ኢኻ።