1 ኦ ጐይታ፥ ንምንታይ ርሒቕካ ቆምካ? ብጊዜ መከራኸ ስለ ምንታይ እትኽወል?
“ንምንታይ ንገፅካ ኻባይ እትኽውሎ? ንምንታይከ ኸም ፀላኢኻ እትሪአኒ?
ንሱ ናብ ዝሰርሐሉ ናብ ፀጋም እንተ ኸድኩ ኣይምልከቶን፤ ብየማነይ ይስወር፤ ኣይሪኦንውን።
ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥ ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥ ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ፥ መን እዩ ዝዅንኖ? ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ?
ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ? ንኣይ ካብ ምድሓን፥ ካብ ቃል ገዓረይውን ርሑቕ ኢኻ።
ገፅካ ካባይ ኣይትሰውር፤ ተቘጢዕኻ ኻብ ባርያኻ ድሕር ኣይትበል፤ ረዳኢ ኹነኒ፤ ኣይትደርብየኒ፤ ኦ ኣምላኽ መድሓኒተይ ኣይትሕደገኒ።
ኦ ጐይታ፥ ብፍቓድካ ንህይወተይ ሓይሊ ሃብካያ፤ ገፅካ መለስካ፤ ኣነውን ደንገፅኩ።
ንምንታይከ ገፅካ እትስውር? ንመከራናን ጭንቕናንከ ንምንታይ ትርስዕ?
ነፍስና ኣብ ምድሪ ሓሲራ እያሞ፥ ከብድናውን ናብ ምድሪ ተጣቢቓ እያሞ።
ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ።
ጐይታ፥ ስለ ምንታይ ንነፍሰይ ትድርብያ? ስለ ምንታይከ ገፅካ ኻባይ ትኽውል?
ተስፋ እስራኤል ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ብጊዜ ጭንቂ እተድሕነናውን ንስኻ ኢኻ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኣብዛ ሃገር፥ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራሕ ዝሓድር፥ ሓላፊ መንገዲ ጋሻ እትኸውን?
ስለ ምንታይከ ኸምቲ ቀባሕባሕ እናበለ፥ ከናግፍ ዘይኽእል ጅግና ትኸውን? ኦ እግዚኣብሄር ንስኻ፥ ብርግፅ ኣብ ማእኸልና ኣለኻ፤ ንሕና ብስምካ ተፀዊዕና ኢና እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና።