4 እቶም ክፉኣት ግና ኸምዙይ ኣይኮኑን፤ ንሳቶም፥ ከምቲ ንፋስ ፀሪጉ ዝወስዶ በነንታ እዮም።
ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ሓሰር፥ ኣውሎ ንፋስውን ከም ዝወስዶ ብቝብቝ ዝኾኑ ኽንደይ ጊዜ እዮም?
እቶም ኵሎም ንእግዚኣብሄር ዝርስዕዎ ድማ፥ ፍፃሜኦም ከምኡ እዩ፤ ተስፋ እቲ ዝንጉዕውን ይጠፍእ።
ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ በነንታ ይኹኑ፤ መልኣኽ እግዚኣብሄር የጨንቆም።
ምልስ እንተ በልኩ ግና፥ ሰኣንክዎ፤ ደለኹዎ፤ ቦታኡውን ኣይረኸብኩን።
ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም።
ብዝሓት ፀላእትኺ ግና ኸም ልሑም በነንታ፥ እቶም መጨነቕትኺ ኸዓ ኸም ዝሓልፍ ብቝቡቕ ክኾኑ እዮም፤ እዙይውን ብድንገት ክኸውን እዩ።
ስለዙይ ከምቲ ንፋስ በረኻ ንሓሰር ዝብትኖ፥ ኣነውን ክብትነኩም እየ።
ስለዙይ ንሳቶም ከም ግመ ጊሓት፥ ከምቲ ቐልጢፉ ዝጠፍአ ኣውሊ፥ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፥ ብመስኮት ከም ዝወፅእ ትኪ ክኾኑ እዮም።
ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።”