3 ንሱ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም ዝተተኽለት፥ በብእዋኑ ፍረኣ ከም እትህብ፥ ቈፅላውን ከም ዘይረግፍ ኦም ይኸውን፤ ኵሉ ዝገብሮውን ይሰልጠሉ።
እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዮሴፍ ዝነበረ ሓደ ነገር እኳ ኣይሓልን ነበረ፤ ነቲ ዝገብሮ ዅሉ እግዚኣብሄር የቃንዐሉ ነበረ።
ጐይታኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገብሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር ከም ዘቕንዐሉን ረአየ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ፤ ዝኸዶ መንገዲውን ይቐንዖ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣሶር ዓመፀ፤ ግብሪውን ኣይገበረሉን።
“ሕዚ ኸዓ፥ ኣታ ወደይ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን። ከምቲ ንሱ ብዛዕባኻ ዝተዛረቦ ድማ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሰርሕ ይሓግዝካ።
ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻዮ፥ ክቐንዐካ እዩ። ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበር።
ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ኣፈፃፅማ ሕግን ትእዛዝን፥ ንኣምላኹ ስለ ዝተኣዘዘን፥ ብምሉእ ልቡ ስለ ዝሰርሐን፥ ሰለጦ።
ብዙሓት ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኦም ንእግዚኣብሄር መባእ፥ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኽቡር ውህብቶ ኣምፅኡ። ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ዅለን ሃገራት ንጉስ ሕዝቅያስ ልዕል ልዕል በለ።
ብጠሊ ማይ ይጥጥዕ፤ ከም ሓድሽ ተኽሊ ኾይኑውን ጨናፍር የውፅእ።
ኵሉ ዝሓሰብካዮ ኽሰልጠካ፥ ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኽበርሀልካ እዩ።
ፍረ ፃማኻ ኽትምገብ ኢኻ፤ ምስጉን ኢኻ፤ ሰናይውን ክኾነልካ እዩ።
ሓለፍቲ መንገዲ ድማ፥ “በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፤ ብስም እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣለና” ኣይብሉን።
ሽዑ ብዝለምለመ ሽምግልና ይፈርዩ፤ ሕጉሳት ኮይኖምውን ይነብሩ፤
“ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ይነግሩ፤ ኣብኡውን ዓመፅ የለን።”
ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ።
ፍረ ስራሖም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ንፃድቕ ሰናይ ክኾነልካ እዩ በልዎ።
ኣብ ጥቓ ወሓዚ ማይ ከም ዝበቝሉ ኣእዋም ኲሓ፥ ኣብ ማእኸል ሳዕሪ ኽበቝሉ እዮም።”
እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኽመርሐካ፥ ብሰናይ ነገራት ንነፍስኻ ኸፅግብ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ኸበርትዖ እዩ፤ ንስኻ ኸዓ፥ ማይ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን፥ ከምቲ ማዩ ዘይነፅፍ ዓይኒ ማይን፥ ክትከውን ኢኻ።
ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ ዝተተኽለት፥ ናብ ሩባ ኣቢላ ሱራ ዝሰደደት፥ ዋዒ እንተ መፀ ዘይትፈርሕ፥ ቈፅላ ኸዓ ለሚዑ ዝነብር፥ ካብ ምፍራይውን ዘይተቋርፅ ኦም እዩ።”
ጨናፍር ምእንቲ ኽተውፅእ፥ ፍረ ኽተፍሪ፥ ክብርቲ ኦም ወይኒ እውን ክትከውንስ፥ ኣብ ፅቡቕ ግራት፥ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ተተኺላ ነበረት።”
እኖኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት፤ ሳላ ብዝሒ ማያት እትጥጥዕ ሃረግ ፈራይት ኦም ወይኒ ኾነት።
ስለዙይ ቁመቱ ኻብ ኵለን ኣእዋም በረኻ ተመልመለ፤ ሳላ እቲ ዘዕምሮ ዝነበረ ብዙሕ ማያት ጨናፍሩ በዝሐ፤ ጨንገፉ ነውሐ።
ወሰና ወሰን እዚ ሩባ በዙይን በቱይን፥ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ፤ ኣቝፅልቱ ኣይፅምሉን፤ ፍረኡውን ኣይውዳእን እዩ፤ ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፥ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፥ ፍረታቱ ንምግቢ፥ ኣቝፅልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።”
ከም ለሰታት ይዝርግሑ፤ ኣብ ገምገም ሩባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ተኽሊ ዕረታት፥ ኣብ ወሰን ማይ ከም ዘሎ ፅሕድታት ተዘርጊሖም እዮም።
ፀሓይ ምስ በረቐት ፀምለወ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ።
ኣብ ጥቓ መንገዲ ኦም በለስ ሪኡ ናብኣ ኸደ፤ እንተ ኾነ ቘፅሊ ጥራሕ እምበር፥ ሓንቲ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ!” በላ፤ እታ ኦም በለስ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ነቐፀት።
ጊዜ ፍርያት ምስ በፅሐ፥ ካብ ፍረ ወይኑ ኸምፅኡሉ፥ ንኣገልገልቱ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ።
ንሳቶም ከዓ “ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፥ ፍረኡ በብጊዜኡ ንዝህብዎ ኻልኦት ሓረስቶት ብብላዕ ይህቦም” በልዎ።
ኵሉ ኣባይ ዘይነብር፥ ከም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርቢዩ ይነቅፅ፤ ኣኪቦም ድማ፥ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።
“እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹምን ቆፎኹምን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድኩምን በረከት ንኽወርድ ክእዝዘልኩም እዩ። ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ዝህበኩም ምድሪ ድማ ኽባርኸኩም እዩ።
እዚኣቶም፥ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ማእድኹም ፀየቕቲ እዮም፤ እንተይሓፈሩ ብስድነት፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ ንባዕላቶም ጥራሕ እዮም ዝሓስቡ፤ ንፋስ ንየው ነዘው ከም ዝደፍኦ፥ ማይ ከም ዘይብሉ ደመና እዮም። ካብ ሱረን ዝተበቈሳ፥ ክልተ ሻዕ ዝሞታ፥ ብእዋን ፍረ፥ ፍረ ኸም ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ እዮም።
ብማእኸል እቲ ኣደባባይ ድማ፥ ይውሕዝ ነበረ። ነቲ ፈለግ ብኽልተ ጐኑ ድማ፥ በብወርሑ እናፈረየት፥ ኣብ ዓመት ዓሰርተ ኽልተ ጊዜ፥ ፍረ እትህብ፥ ኦም ህይወት ነበረት። ቈፅሊ እታ ኦም እቲኣ ኸዓ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዝፍውስ ነበረ።