20 ንኣምላኽናን ኣቦናን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ኦ ጐይታ፥ ንኣና ኣይኮነን፤ ንኣና ኣይኮነን፤ ግና ስለ ምሕረትካን ስለ ሓቅኻን ኢልካ፥ ንስምካ ምስጋና ሃብ።
ስም ምስጋናኡውን ንዘለኣለመ ኣለም ይባረኽ፤ ኵላ ምድሪ እውን ብኽብሩ ትምላእ። ኣሜን! ኣሜን!
“ንስኻትኩምስ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤
ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን!
ነቲ በይኑ በዓል ጥበብ ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን።
ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ትውልድታት፥ ብቤተ ክርስቲያንን ብኢየሱስ ክርስቶስን ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ።
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን።
ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፥ ዘይመውት፥ ዘይረአ፥ በይኑ ኣምላኽ ዝኾነ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣሜን።
ነቲ ብጐይታና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ፥ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን፥ ሕዝን፥ ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ሓይሊ፥ ስልጣን፥ ይኹኖ። ኣሜን።
ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ድማ፥ መንግስትን ካህናትን ዝገበረና፥ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።
በታ ሰዓት እቲኣ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ዓነወ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸዓ፥ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ሃብዎ።
ብብርቱዕ ድምፂ ኸዓ፥ “እታ ዝፈርደላ ጊዜ በፂሓ እያ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ክብሪ እውን ሃብዎ፤ ነቲ፥ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝፈጠረ፥ ስገዱሉ” በለ።
ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “ነቲ ዝተሓረደ በጊዕ፥ ስልጣን፥ ሃብቲ፥ ጥበብ፥ ሓይሊ፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ውዳሴ፥ ይግብኦ እዩ” በሉ።
ከምዙይ ከዓ ይብሉ ነበሩ፦ “ኣሜን፥ ውዳሴን፥ ግርማን፥ ጥበብን፥ ምስጋናን፥ ክብርን፥ ስልጣንን፥ ሓይልን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፤ ኣሜን።”