4 ትምክሕቲ ዘድሊ እንተ ኾይኑስ፥ ኣነውን ብዙሕ ኣለኒ። ሓደ፥ በቲ ኣብ ሰብነት ዝግበር ኣፍኣዊ ስርዓት፥ ዘመክሕ ዘለዎ እንተ መሰሎውን፥ ኣነ ኻብቲ ናቱ ዝበለፀ ኣለኒ።
ከመይ ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ፤ ንዘለዎ ክወሃቦ እዩ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ፥ ካብኡ ኽትውሰድ እያ።”
እምበኣር፥ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብስጋዊ መንገዲ፥ ንሓደኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ንክርስቶስ ብስጋዊ መንገዲ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና እኳ፥ ሕዚ ግና ኸምኡ ኣይንፈልጦን ኢና።
ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፤ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብውን ኣይኮንናን።