3 ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።
ብቅዱስ ስሙ ተመክሑ፤ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ልቢ ይተሓጐስ።
ኵሎም ዘርኢ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ክፀድቁ፥ ብእኡውን ክምክሑ እዮም።”
ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ፥ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኮይኑ ሃልሃል ከይብልስ፥ ንእግዚኣብሄር ተገረዙ፤ ናይ ልብኹም ሸለፈትውን ኣወግዱ።”
ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እንተየቋረፅኩ ዅልሻዕ ኣብ ፀሎተይ ከም ዝዝክረኩም፥ እቲ ወንጌል ወዱ እናሰበኽኩ፥ ብምሉእ ልበይ ዘገልግሎ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘገልግል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እምካሕ ኣለኹ።
ሕዚ ግና ብብሉይ ናይ ሕጊ ፅሑፍ ኣነባብራ ኽንክተል ዘይኮነስ፥ [ብመንፈስ] ዝኾነ ብሓድሽ መንፈሳዊ ህይወት ክነገልግል፥ ካብቲ ኣሲሩና ዝነበረ ሕጊ፥ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና።
ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።
ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ተረዲአ ኣለኹ።
ግና እቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ በዙይ ከንቱ ኾይኑ ተሪፉ ማለት ኣይኮነን፤ እቶም ካብ እስራኤል ዝተወለዱ ዅሎም፥ እስራኤላውያን ኣይኮኑንሞ።
ብዙሓት ስጋዊ ብዝኾነ ዝምክሑ ኻብ ኮነ፥ ኣነውን ክምካሕ እየ።
ብመንፈስ እንነብር እንተ ደኣ ዄንና፥ ብመንፈስ ንመራሕ።
ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሄር እስራኤልን፥ ሰላምን ምሕረትን ይኹን።
ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ።
እምበኣር ንስኻትኩም ልብኹም ግረዙ፤ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ምእንቲ ኽተፍቅርዎ እሞ ብህይወት ክትነብሩስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንዘርእኹምን ዝእዘዝ ልቢ ኽህበኩም እዩ።
ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን ዲያቆናትን።
ነዝ ዅሉ ድሮ ረኺበዮ፥ ወይ ድማ ቅድሚ ሕዚ ፍፁም ኮይነ እየ ማለተይ ኣይኮነን። ግና ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ፥ ኣነ ድማ ነዝ ዅሉ፥ ናተይ ክገብሮ ኢለ እፅዕር ኣለኹ።
ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣቢለ፥ ናብቲ ዓስቢ ኣሸናፊነት፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ፥ ናይ እግዚኣብሄር መፀዋዕታ እጐዪ ኣለኹ።
ንስኻትኩም ድማ፥ ብክርስቶስ ብዝግበር ግርዘት፥ ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ካባኻትኩም ብምቕንጣጥ፥ ብኢድ ሰብ ብዘይኮነ ግርዘት፥ ብእኡ ተገረዝኩም።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ንስኻትኩም ግና፥ በታ ልዕሊ ዅሉ ዝተቐደሰት እምነትኩም፥ ንርእስኹም እናሃነፅኩም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ፀልዩ።