21 ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።
ንሕናውን ጐባጉብ ብሩር ዘለዎ፥ ሽልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።
ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።
ምውታንካ ህያዋን ክኾኑ፥ ሬሳታትውን ክትስኡ እዮም፤ ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩሞ፥ ምድሪ እውን ንምውታን ክተውፅኦም እያሞ፥ ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ንቕሑ፤ ብሓጐስውን ዘምሩ።
ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ? ርህራሀ ኻብ ኣዒንተይ ተሰወረ።
ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።
ኢየሱስ ድማ “መፃሕፍቲ ኾነ ሓይሊ እግዚኣብሄር ብዘይ ምፍላጥ ትጋገዩ ኣለኹም።
ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤
ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ክኸውን፥ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓረዮም፥ ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ኣቐዲሙ መደቦም።
እቲ ህይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለፁ ኢኹም።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ሕዚ ውሉድ እግዚኣብሄር ኢና፤ እንታይ ከም እንኸውን ከዓ፥ ገና ኣይተገልፀን። ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።
እቲ ዘሎን፥ ዝነበረን፥ ዝመፅእን፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ” ይብል ኣሎ።