15 እምበኣር ብመንፈሳዊ ህይወት ዝጠንከርና ዅልና፥ እዙይ ንሕሰብ፤ ብዝኾነ ነገር ዝተፈለየ ሓሳብ እንተ ሃልዩኩም፥ ንእኡውን እግዚኣብሄር ክገልፀልኩም እዩ።
ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
“እምበኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ፍፁም ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ፍፁማን ኩኑ።”
እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”
ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያትውን ‘ኵሎም ካብ እግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ እምበኣር ኵሉ እቲ ኻብ ኣብ፥ ዝሰምዐን ዝተምሃረን ናባይ ይመፅእ።
ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተ ሃልዩ፥ ትምህርተይ ካብ እግዚኣብሄር እምበር፥ ካባይ ከም ዘይኮነ ኽፈልጥ ይኽእል እዩ።
ንሕና ብእምነት ዝፀናዕና፥ ነቶም ብእምነት ዘይፀንዑ ኣሕዋትና፥ ክንድግፎም ደኣ እምበር፥ ንባዕልትና ጥራሕ ክነሐጕስ፥ ኣይግብአናን እዩ።
ኣሕዋተይ፥ በተሓሳስባኹም ከም ህፃናት ኣይትኹኑ፤ ንኽፉእ ደኣ ህፃናት ኩኑ እምበር፥ በተሓሳስባኹምስ ብሱላት ኩኑ።
ኣብ ማእኸል እቶም ለባማት ዝኾኑ ግና፥ ጥበብ ንናገር ኢና፤ እቲ እንናገሮ ግና፥ ጥበብ እዛ ዓለም፥ ወይ ጥበብ ናይቶም ዝሓልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነን።
ካብዙይ ዝተፈለየ ኻልእ ከም ዘይትሓስቡ፥ ብጐይታ እተኣማመን እየ። እቲ ዘደናግረኩም ዘሎ ግና፥ ዝኾነ ይኹን ፍርዱ ኽቕበል እዩ።
ነቲ ኣቦ ኽብሪ፥ ኣምላኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእኡ ብዝበለፀ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ፥ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላፅን፥ ምእንቲ ኽህበኩም፥
ንሕና ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ፍፁም ጌርና ምእንቲ ኽነቕርብ፥ ብጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፥ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና፥ ንእኡ ንሰብኽ ኣለና።
እቲ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ ኤጳፍራስ፥ ሰላምታ የቕርበልኩም ኣሎ፤ ምሉኣትን ብዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ተረዲእኹም፥ ፍፁማት ኴንኹም ምእንቲ ኽትቆሙን፥ ተጊሁ ብፀሎት ይጋደል ኣሎ።
ብዛዕባ ፍቕሪ ኣሕዋት ግና፥ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ካብ እግዚኣብሄር ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፥ ሓደኳ ኽፅሕፈልኩም ኣየድልን።
ዕፁም ምግቢ ግና፥ ነቶም ፅቡቕን ክፉእን ንምፍላይ፥ ንባዕላቶም ንዘላመዱ ንዓበይቲ እዩ።
እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።