Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ፊልጵስዩስ 2:30 - መፅሓፍ ቅዱስ

30 ንኣይ እትገብርዎ ኣገልግሎትኩም ምእንቲ ኽምልእ፥ ብዛዕባ ስራሕ ክርስቶስ፥ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ኽሳዕ ምሃብ፥ በፂሑ ነይሩ እዩ እሞ።

Ver Capítulo Copiar




ፊልጵስዩስ 2:30
15 Referencias Cruzadas  

ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”


ንሳቶም ምእንታይ፥ ህይወቶም ንምሕላፍ ዝተዳለዉ ነይሮም እዮም እሞ፥ ስለዙይውን አመስግኖም ኣለኹ፤ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኣብያተ ክርስቲያን ኣህዛብ ኵለን እየን ዘመስግናኦም።


እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ከዓ ዘይመውት ክለብስ ይግብኦ እዩሞ።


ጢሞቴዎስ እንተ መፀ ኸዓ፥ ከምዝ ኸማይ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ እዩ ዝሰርሕ እሞ፥ ብዘይ ፍርሓት ምሳኻትኩም ክቕመጥ ተጠንቀቑሉ።


እስጢፋኖስን ፈርዶናጡስን ኣካይቆስን ብምምፅኦም ሕጉስ እየ። ክንዳኻትኩም ኮይኖም፥ ነቲ ዝጐደለኒ መሊኦምለይ ኢዮምሞ።


ኣነ ዅሉ ዘለኒ፥ ህይወተይውን እንተይተረፈ፥ ምእንታኻትኩም ኣሕሊፈ ኽህብ፥ ሕጉስ እየ። ኣብሊፀ ስለ ዘፍቀርኩኹም ዲኹም፥ ኣንኢስኩም ተፍቅሩኒ ዘለኹም?


ስለዙይ ሞት ኣባና፥ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ይሰርሕ ኣሎ።


ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን፥ እንተ ተሰዋእኹ ደስ ይብለኒ፤ ምስ ኵልኻትኩምውን እሕጐስ ኣለኹ።


ብርግፅ ሓሚሙ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ፤ እግዚኣብሄር ግና ራህርሀሉ፤ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፥ ንኣይውን እዩ እምበር፥ ንእኡ ጥራሕ ኣይኮነን ዝራህርሀሉ።


ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ መሊስኩም ክትሓስቡለይ ስለዝተለዓዓልኩም፥ ብጐይታ ኣብዚሐ እሕጐስ ኣለኹ። ምችዊ እዋን ኣይረኸብኩምን እምበር፥ ቅድምውን ተሓስቡለይ ኔርኩም ኢኹም።


ሕዚ ግና ዝኣክል፥ እኳ ደኣ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣለኒ፤ ነቲ ብኣፍሮዲጡ ዝለኣኽኩምዎ፥ ምዑዝ ዝሽታኡ፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ ምስ ተቐበልኩ፥ መሊኡለይ ኣሎ።


ኣነ እኳ፥ ወንጌል ብምስባኸይ ተኣሲረ ኣብ ዘለኹሉ፥ ክንዳኻ ኾይኑ ኸገልግለኒ፥ ምሳይ ከትርፎ ምደለኹ ነይረ።


ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ፤ ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየናሕሰዩላን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos