Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ፊልጵስዩስ 2:27 - መፅሓፍ ቅዱስ

27 ብርግፅ ሓሚሙ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ፤ እግዚኣብሄር ግና ራህርሀሉ፤ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፥ ንኣይውን እዩ እምበር፥ ንእኡ ጥራሕ ኣይኮነን ዝራህርሀሉ።

Ver Capítulo Copiar




ፊልጵስዩስ 2:27
23 Referencias Cruzadas  

በቲ ጊዜ እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኽመውት ቀረበ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ድማ ናብኡ መፂኡ “ንስኻ ኽትመውት ኢኻ እምበር፥ ኣይትሓውን ኢኻ እሞ ቤትካ ኣመዓራሪ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” ኢሉ ነገሮ።


ካብ ሽዱሽተ ኽፉእ ነገር ከድሕነካ እዩ፤ ኣብ መበል ሻውዓይ ግና ኽፉእ ኣይነኽአካን እዩ።


ናይ ፃድቃን መከራ ብዙሕ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ኻብ ኵሉ የድሕኖም።


ኰብኰቦም፤ ሰጐጎም፤ ቀፅዖም፤ ንፋስ ምብራቕ ከም ዝነፍስ ብሓያል ህቦብላ ኣወገዶም።


እንሆ፥ እዝ ዓብዪ ጭንቂ እዙይ ንሰላመይ ኮነ፤ ንነፍሰይ ኣፍቂርካ፥ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ፤ ንስኻ ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሬኻ ደርበኻዮ።


ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ቅፅዐኒ፤ ግና ብልክዕ ደኣ ይኹን፤ ምእንቲ ኸይጠፍእስ ብቝጥዓኻ ኣይኹን።


ንስኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ሕማመይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩሞ ወይለይ! ካብዙይ ዝተልዓለ ደኺመ ኣለኹ፤ ዕረፍቲውን የብለይን’ ኢልካ ኢኻ።


ሓዘነይ ዘይፀናናዕ እዩ፤ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራሕኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ተግባራትካ ኣብ ማእኸል ዓመታት ፈፅም፤ ኣብ ማእኸል ዓመታት ክትፍለጥ፥ ኣብ ጊዜ ቝጥዓ፥ ምሕረት ዘክር።


በቲ ቕነ እቱይ ሓሚማ ሞተት፤ ሓፂቦም ድማ ኣብ ደብሪ ኣንበርዋ።


ኣብ ሰብ ካብ ዝበፅሕ ፈተና ንላዕሊ ኣይበፅሐኩምን። ስለዙይ፥ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ዘይፈቅድ እግዚኣብሄር፥ እሙን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና፥ ምስቲ ፈተና መውፅኢ ኽገብረልኩም እዩ።


እኳ ደኣ፥ ብብዝሒ ሓዘን ከይወሓጥ፥ ይቕረ በሉሉን ኣፀናንዕዎን።


ንሱ ብዙሕ ናፊቑኩም ኣሎ፤ ምሕማሙ ኸም ዝሰማዕኹም ስለ ዝፈለጠ ኸዓ፥ ተጨኒቑ ኣሎ።


ስለዙይ መሊስኩም ምስ ረአኹምዎ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፥ ሓዘነይውን ምእንቲ ኽቐልል፥ ቀልጢፈ እሰዶ ኣለኹ።


ንኣይ እትገብርዎ ኣገልግሎትኩም ምእንቲ ኽምልእ፥ ብዛዕባ ስራሕ ክርስቶስ፥ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ኽሳዕ ምሃብ፥ በፂሑ ነይሩ እዩ እሞ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos