24 ኣነ ባዕለይውን፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽመፅእ፥ ብጐይታ ተስፋ እገብር ኣለኹ።
ሃለዋትኩም ሰሚዐ፥ ኣነውን ክሕጐስን ደስ ክብለንን፥ ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክልእኾ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ተስፋ እገብር ኣለኹ።
ከምኡውን እግዚኣብሄር ፀሎትኩም ሰሚዑ፥ ናባኻትኩም ክመፅእ ከም ዝገብረኒ፥ ተስፋ ኣለኒ እሞ ስፍራ ኣዳልወለይ።
ብወረቐትን ብቐለምን ደኣ፥ ክፅሕፎ ኣይደለኹን እምበር፥ ናባኻትኩም ዝፅሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ። ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ግና፥ ናባኻትኩም ክመፅእ እሞ፥ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም ተስፋ እገብር።
ቀልጢፈ ኽሪአካ ተስፋ ኣለኒ፤ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና።