22 ጢሞቴዎስ ግና ውሉድ ነቦኡ ኸም ዝእዘዝ፥ ምሳይ ኮይኑ ንወንጌል ብምግልጋል፥ ብቕዓቱ ኸም ዘርኣየ ትፈልጡ ኢኹም።
እቶም ኣብ ልስጥራንን ኣብ ኢቆንዮንን ዝነበሩ ኣሕዋት፥ ፅቡቕ ይምስክሩሉ ነበሩ።
ብትዕግስቲ ፅንዓት፥ ብፅንዓት ከዓ ተስፋ ይርከብ።
ጢሞቴዎስ እንተ መፀ ኸዓ፥ ከምዝ ኸማይ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ እዩ ዝሰርሕ እሞ፥ ብዘይ ፍርሓት ምሳኻትኩም ክቕመጥ ተጠንቀቑሉ።
በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ መንገደይ ምእንቲ ኸዘኻኽረኩም፥ ነቲ ፍቑር ወደይን ብጐይታ እሙንን፥ ጢሞቴዎስ፥ ሰዲደልኩም ኣለኹ።
ነዙይ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ነቲ ፈተና ስዒርኩም፥ ብዅሉ ነገር እዙዛት ምዃንኩም፥ ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ እየ።
ሕዚ እውን እንሆ እምብዛ ትጉህ ከም ዝኾነ፥ ብዙሕ ጊዜ ብብዙሕ ነገር መርሚርና ዝፈለጥናዮ፥ ሓደ ኻልእ ሓው፥ ምስኣቶም ንሰደልኩም ኣለና። ሕዚ እውን ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ስለ ዘሕደረ፥ ብዝበለፀ ይተግህ ኣሎ።
እምበኣር ፍቕርኹም ነዚኣቶም ብምግላፅ፥ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ኣብ ቅድሚ እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣርእይዎም።
እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ምስ ናይ ካልኦት ትግሃት ብምንፅፃር፥ ፍቕርኹም ሓቂ ኸም ዝኾነት፥ ከረጋግፅ ኢለ እየ እምበር፥ እእዝዘኩም ኣይኮንኩን ዘለኹ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ኵሉ ዝበፅሐኒ ነገር፥ ንምስፍሕፋሕ ወንጌል የመና ኸም ዝጠቅም፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
እዞም ዳሕረዎት፥ ንወንጌል ስለ ዝተማጐትኩላ ኸም ዝተኣሰርኩ ፈሊጦም፥ ብፍቕሪ ይሰብኩ ኣለዉ።
ካብ መጀመርታ ኽሳዕ ሕዚ፥ ኣብ ስብከት ወንጌል ተሓባበርቲ ስለ ዝኾንኩም፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።
ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ።
ንፅቡቕኩም ዝሓልን ዝግደስን፥ ካልእ ከምኡ ዝበለ የብለይንሞ።
ጢሞቴዎስ ወደይ፥ ኣብቲ ዝተነግረልካ ናይ ትንቢት ቃላት ተመስሪተ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ሓደራ እህበካ ኣለኹ። ነቲ ዝተነገረካ ቓል ኣፅኒዕኻ ሓዞ፤ ተቢዕኻውን ሰናይ ገድሊ ተጋደል።
ናብቲ ብእምነት፥ ናይ ሓቂ ወደይ ዝኾነ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።
እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ነቶም ኣሕዋት እንተ ገለፅካሎም፥ ቃል እምነትን፥ እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ፅቡቕ ትምህርትን፥ ዝተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
ናብ ዝፈትዎ ወደይ ጢሞቴዎስ፤ ካብ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋ፥ ምሕረት፥ ሰላም፥ ንኣኻ ይኹን።
ንስኻ ግና ትምህርተይ፥ ኣነባብራይ፥ ዕላማይ፥ እምነተይ፥ ትዕግስተይ፥ ፍቕረይ፥ ፅንዓተይ ተኸተልካ።
በታ ናይ ኵላትና ዝኾነት እምነት፥ ብሓቂ ወደይ ንዝኾንካ ቲቶ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ካብ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።