16 እዞም ዳሕረዎት፥ ንወንጌል ስለ ዝተማጐትኩላ ኸም ዝተኣሰርኩ ፈሊጦም፥ ብፍቕሪ ይሰብኩ ኣለዉ።
ነፍሰይ ክንዲ ነፍስኹም እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ኣነ ኣብ ልዕሌኹም ቃል መሳኻዕኹ፥ ርእሰይውን ኣብ ልዕሌኹም ምንቕናቕ ምተኽኣለኒ ነይሩ።
እቲ ንብፃዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፥ ንፍርሓት እቲ ዅሉ ዝኽእል ይሓድጎ።
ነቲ ንስኻ ዝቐሰፍካዮ ንሳቶም ኣሳጒጎም እዮምሞ፤ ኣብ ልዕሊ ቝስለይውን ቃንዛ ወሰኹለይ።
ነዙይ ፈትየ እንተ ገበርክዎ፥ ዓስቢ ኣለኒ፤ እንተይፈተኹ እንተ ገበርክዎ ግና፥ ብሕድሪ ስለ ዝተውሃበኒ እዩ።
ብእግዚኣብሄር ተልኢኽና፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኴንና፥ ንዛረብ ኣለና እምበር፥ ከምቶም ብዙሓት፥ ብቓል እግዚኣብሄር ዝነግዱ ኣይኮንናን።
እዙይውን ነቲ ዝበለፀ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ንፁሃትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኴንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ፥
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ኵሉ ዝበፅሐኒ ነገር፥ ንምስፍሕፋሕ ወንጌል የመና ኸም ዝጠቅም፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
ካብ መጀመርታ ኽሳዕ ሕዚ፥ ኣብ ስብከት ወንጌል ተሓባበርቲ ስለ ዝኾንኩም፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።
ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ።
ጢሞቴዎስ ግና ውሉድ ነቦኡ ኸም ዝእዘዝ፥ ምሳይ ኮይኑ ንወንጌል ብምግልጋል፥ ብቕዓቱ ኸም ዘርኣየ ትፈልጡ ኢኹም።
ኣቱም ሰብ ፊልጵስዩስ፥ መጀመርታ ንስብከት ወንጌል ካብ መቄዶንያ ኽወፅእ እንተለኹ፥ እንትርፊ ንስኻትኩም፥ ብምሃብ ይኹን ብምቕባል፥ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ምሳይ ከም ዘይተሓባበረት፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥ ክትድግፈን፥ እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ።