7 “ንሕና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸስና ሰባት ኢና፤ በታ ምድብቲ ጊዜ ምስ ደቂ እስራኤል ኴንና እቲ ንእግዚኣብሄር ዝወሃብ መባእ ከይነቕርብ ዝተኸልከልና ስለ ምንታይ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
‘እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል እንተሎ፥ ኣብ ግብፂ ንኣባይቲ ደቂ እስራኤል ስለ ዝሓለፈ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝውፈ መስዋእቲ ፋሲካ እዩ’ በልዎም” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ንእግዚኣብሄር ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
“ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዜኡ ፋሲካ ይግበሩ።
ግና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸሱ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋሲካ ኸብዕሉ ዘይከኣሉ ሰባት ነበሩ። ንሳቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን መፂኦም፥
ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር ብዛዕባኻትኩም እንታይ ከም ዝእዝዝ ክሰምዕስ ፅንሑ” ኢሉ መለሰሎም።
ኣብታ እግዚኣብሄር ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኣባጊዕኹም ወይ ካብ ከፍትኹም ፋሲካ ሕረዱ።