Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 9:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ንሳቶም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ክመሲ እንተሎ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ፋሲካ ኣብዓሉ። ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 9:5
18 Referencias Cruzadas  

ኖህ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።


ኖህ ድማ፥ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።


ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።


ኵሉ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተሰሪሑ ተፈፀመ። ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ።


ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገይሮም ሰርሕዎ።


እስራኤላውያን ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።


ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ንደቂ እስራኤል ነገሮም።


ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን ከምኡ ገበሩሎም፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ደቂ እስራኤል ገበሩሎም።


ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ነገሮም።


ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም።


“እምበኣር፥ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን።


ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ሙሴ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ክነግሮም ዝኣዘዞ ተዛረበ።


“እንሆ፥ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ሃገር ምእንቲ ኽትፍፅምዎ፥ ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ ሕግጋትን ፍርድታትን መሃርኩኹም።


ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን፥ ናብቲ ርስቲ ኽቕበለሉ ዘለዎ ሃገር ከደ።


ብዛዕባ እቲ ንሓዋሩ ክኸውን ንዘለዎ ነገራት ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሙሴ ኣብ ኵላ ቤት እግዚኣብሄር እሙን ኣገልጋሊ ነበረ።


ደቂ እስራኤል ኣብ ጌልገላ ሰፊሮም እንተለዉ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ፋሲካ ገበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos