4 ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ነገሮም።
ሙሴ ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ፀዊዑ “ነንስድራኹም ዝኸውን ጡበት በጊዕ ሓሪኹም ውሰዱ እሞ፥ በጊዕ ፋሲካ ሕረዱ።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ፥ ክመሲ እንተሎ ፋሲካ ኣብዕሉ። ከም ኵሉ ሕግጋቱን ከም ኵሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብዕልዎ።”
ንሳቶም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ክመሲ እንተሎ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ፋሲካ ኣብዓሉ። ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ።