Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 9:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ፥ ክመሲ እንተሎ ፋሲካ ኣብዕሉ። ከም ኵሉ ሕግጋቱን ከም ኵሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብዕልዎ።”

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 9:3
10 Referencias Cruzadas  

ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸዓ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ሓፈሩ፤ ተቐዲሶም ድማ ዝቃፀል መስዋእቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ።


እዙይ ድማ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ዝኣኽሉ ኻህናት ስለ ዘይተቐደሱን፥ እቲ ህዝቢ እውን ኣብ ኢየሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን ብጊዜኡ ፋሲካ ኸብዕሉ ኣይከኣሉን እሞ፥ ንጉስ ሕዝቅያስን ሹመኛታቱን ኵሉ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ፋሲካ ኸብዕሉ ስለ ዝተማኸሩ እዩ።


ኢዮስያስ ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ፋሲካ ኣብዓለ፤ በታ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ ኸዓ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦


ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ክመሲ እንተሎ፥ ፋሲካይ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ።


“ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዜኡ ፋሲካ ይግበሩ።


ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ነገሮም።


ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ክርስቶስ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዙሕ ጊዜ መከራ ኽቕበል መድለዮ ነይሩ። ሕዚ ግና ንሓጢኣት ምእንቲ ኽድምስስ ኢሉ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልፀ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos