23 ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ ነበሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሕልውዎ ነበሩ።
ናብታ ዝነብሩላ ኸተማ ክኸዱ፥ ብቕኑዕ መንገዲ መርሖም።
ብምኽርኻ መራሕኻኒ፤ ምስ ክብሪውን ተቐበልካኒ።
ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ተጕዓዙ። ኣብ ራፊዲም ድማ ሰፈሩ። ዝሰትይዎ ማይ ግና ኣይነበሮምን።
ከምቲ ኸፍቲ ናብ ለሰ ወሪደን ዘዕርፋ፥ ከምኡ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ዕረፍቲ ኣብፅሖም። ንርእስኻ ኽቡር ስም ምእንቲ ኽትገብር ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕኻዮም።
ኣብታ መቕደሰይ ንኣኣቶም ክንዲ ኽንዳኻትኩም፥ ንኣገልግሎተይ መረፅኩምዎም እምበር፥ ነቲ ቕዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን።”
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብመንገደይ እንተ ኼድካ፥ ትእዛዛተይውን እንተ ሓሊኻ፥ ኣብ ቤተይ ክትፈርድ ኢኻ፤ ንኣደባባየይውን ክትሕሉ ኢኻ፤ ኣብዙይ ኣብ ማእኸል እዞም ቆይሞም ዘለዉ፥ ቦታ ኽህበካ እየ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ከምቲ ብመጀመርታ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ድማ፥ ተጕዓዙ፤
እቲ ደመና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ፀንሐ፥ ደቂ እስራኤል ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ይፅበዩ ስለ ዝነበሩ ኣይጐዓዙን ነበሩ።
ንስኻትኩም ካብ ነዊሕ ጊዜ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነሕዋትኩም ኣይሓደግኩምዎምን፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩምውን ፈፂምኩም ኢኹም።