22 እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ ድንኳን ተቐሚጡ ኽልተ መዓልቲ ወይ ሓደ ወርሒ፥ ወይ ሓደ ዓመት እንተ ፀንሐ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይፀንሑ ነበሩ እምበር ኣይጐዓዙን ነበሩ። ምስ ተልዓለ ግና ይጐዓዙ ነበሩ።
ናብታ ዝነብሩላ ኸተማ ክኸዱ፥ ብቕኑዕ መንገዲ መርሖም።
ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፥ ፍቓድካ ኽፍፅም መሃረኒ፤ ቅዱስ መንፈስካውን፥ ብምድሪ ፅድቂ ይምርሐኒ።
ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ።
እዝ ኣምላኽ እዙይ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ፤ ንሱ ንዘለኣለም ክመርሐና እዩ።
ብምኽርኻ መራሕኻኒ፤ ምስ ክብሪውን ተቐበልካኒ።
ንህዝብኻ ኸም መጓሰ፥ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን መራሕኻዮም።
ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገይሮም ሰርሕዎ።
ሙሴ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።
እስራኤላውያን ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን ከምኡ ገበሩሎም፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ደቂ እስራኤል ገበሩሎም።
እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ምስ ተልዓለ፥ ደቂ እስራኤል ይጐዓዙ ነበሩ፤ እቲ ደመና ኣብ ዝቖመሉ ኸዓ ደቂ እስራኤል ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ።
ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኻብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንግሆ ምስ ተልዓለ ድማ ይጐዓዙ ነበሩ። እቲ ደመና ምስ ተልዓለ፥ ለይቲ ወይ መዓልቲ እንተይበሉ ይጐዓዙ ነበሩ።
ምስኣቶም ብሓደ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፦ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኹምዎ፥ ናይ ኣብ ተስፋ ተፀበዩ እምበር፥ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውፅኡ።