Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 9:20 - መፅሓፍ ቅዱስ

20 ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ንቑሩብ መዓልቲታት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 9:20
8 Referencias Cruzadas  

እዝ ኣምላኽ እዙይ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ፤ ንሱ ንዘለኣለም ክመርሐና እዩ።


ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር እመን፤ ብናይ ባዕልኻ ምስትውዓልውን ኣይትተኣማመን፤


ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ዘክር፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ።


ከምቲ ብመጀመርታ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ድማ፥ ተጕዓዙ፤


ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጐዓዙ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ቖመ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይፀንሑ ነበሩ።


እቲ ደመና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ፀንሐ፥ ደቂ እስራኤል ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ይፅበዩ ስለ ዝነበሩ ኣይጐዓዙን ነበሩ።


ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኻብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንግሆ ምስ ተልዓለ ድማ ይጐዓዙ ነበሩ። እቲ ደመና ምስ ተልዓለ፥ ለይቲ ወይ መዓልቲ እንተይበሉ ይጐዓዙ ነበሩ።


እቲ ዓቢይን ዝፍራሕን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማእኸልኩም እዩሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos