19 እቲ ደመና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ፀንሐ፥ ደቂ እስራኤል ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ይፅበዩ ስለ ዝነበሩ ኣይጐዓዙን ነበሩ።
እቲ ደመና እንተ ዘይተልዒሉ ግና፥ ክሳዕ ዝለዓል ኣይጐዓዙን ነበሩ።
እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩሞ፥ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሸውዓተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣፍ ደገ ተቐሚጥኩም፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓልዉ” በሎም።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብመንገደይ እንተ ኼድካ፥ ትእዛዛተይውን እንተ ሓሊኻ፥ ኣብ ቤተይ ክትፈርድ ኢኻ፤ ንኣደባባየይውን ክትሕሉ ኢኻ፤ ኣብዙይ ኣብ ማእኸል እዞም ቆይሞም ዘለዉ፥ ቦታ ኽህበካ እየ።
ኵሉ ኣቑሑ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ስራሕ ንኽሰርሑ፥ ኣብቲ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ኵሉ ኣቑሑ ይሓልዉ፤ ንደቂ እስራኤል ንምግልጋል ዘድሊ ኹሉ ይሓልዉ።
ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጐዓዙ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ቖመ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይፀንሑ ነበሩ።
ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ንቑሩብ መዓልቲታት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ።