18 ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጐዓዙ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ቖመ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይፀንሑ ነበሩ።
ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ተጕዓዙ። ኣብ ራፊዲም ድማ ሰፈሩ። ዝሰትይዎ ማይ ግና ኣይነበሮምን።
ከምቲ ብመጀመርታ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ድማ፥ ተጕዓዙ፤
ኵልሻዕ ከምኡ ነበረ፤ ብመዓልቲ ደመና፥ ብለይቲ ኸዓ እቲ ደመና ሓዊ ይሽፍኖ ነበረ።
እቲ ደመና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ፀንሐ፥ ደቂ እስራኤል ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ይፅበዩ ስለ ዝነበሩ ኣይጐዓዙን ነበሩ።
ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ንቑሩብ መዓልቲታት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ።
ኣሕዋተይ፥ ንዅላቶም ኣቦታትና ደመና ኸም ዘፅለለሎም፥ ኵላቶምውን ባሕሪ ኸም ዝተሳገሩ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።
ፍቕሪ ማለት፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር እናፈፀምካ፥ ምንባር ማለት እዩ። ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ እቲ ትእዛዝ፥ “ብፍቕሪ ንበሩ” ዝብል እዩ።