15 በታ እቲ መሕደሪ ዝተተኽለላ መዓልቲ ነቲ ድንኳን ምስክር ደመና ሸፈኖ። ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ድማ ኸም ደመና ሓዊ መሲሉ ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ነበረ።
በቲ ዝኸድዎ መንገዲ፥ ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ምእንቲ ኽተብርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ መራሕኻዮም።
“ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን፤ እቲ ብመዓልቲ መንገዲ ዝመርሖም ዝነበረ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ነቲ ዝኸዱሉ መንገዲ ዘብርሀሎም ዝነበረ ዓምዲ ሓዊ ካብኣቶም ኣይረሓቐን።
ደመና ንመጋረዲ ዘርግሐሎም፤ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኸብርሀሎም ዘርግሐ።
መዓልቲ ብደመና፥ ምሉእ ለይቲ እውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።
ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኽጐዓዙ፥ እግዚኣብሄር መንገዲ ንኽመርሖም ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ኽበርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ።
ብመዓልቲ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ኸዓ ዓምዲ ሓዊ ኻብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ኸቶ ኣይተፈለየን።
ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፥ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓምዲ ሓዊን ዓምዲ ደመናን፥ ናብ ሰራዊት ግብፃውያን ጠመተ፤ ንሰራዊት ግብፃውያንውን ኣርዓዶም።
“ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን፥ መሕደሪ ትኸሎ።
ብድሕሪኡ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ደመና ሸፈኖ፤ ነቲ ድንኳን ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር መልኦ።
እቲ ደመና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓረፈ፥ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ነቲ ድንኳን መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ ሙሴ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣቱ ኣይከኣለን።
ብዅሉ መንገዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ደመና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ነበረሞ፥ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኣብኡ ነበረ።
እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝእከቡን፥ ብመዓልቲ ደመናን ትክን፥ ብለይቲ ኸዓ ሃልሃል ዝብል ብርሃን ሓዊን ክፈጥር እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኽብሪ መጋረጃ ክኸውን እዩ።
ደመና እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ሰፈር ካብ ዝነቐሉሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ።
ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ ኽነግርዎም እዮም። ንስኻ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዘለኻ፥ ገፅ ንገፅውን ከም ዝተርአኻ፥ ደመናኻውን ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝቐውም፥ መዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ለይቲ ኸዓ ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ከም እትኸይድ ሰሚዖም ኣለዉ።
ሙሴ ድማ ነተን ኣብትርቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበረን።
ኣሕዋተይ፥ ንዅላቶም ኣቦታትና ደመና ኸም ዘፅለለሎም፥ ኵላቶምውን ባሕሪ ኸም ዝተሳገሩ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።
ንሱ እትሰፍሩሉ ቦታ ኽደልየልኩም፥ እትኸድዎ መንገዲ ድማ ኸርእየኩም፥ ለይቲ ብሓዊ፥ መዓልቲ ኸዓ ብደመና ቐቅድሜኹም ከይዱ እዩ።