12 ካብኡ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ሓደኳ ኣየሕድሩ፤ ዓፅሙ ኸዓ ኣይስበሩ። ከምቲ ዅሉ ሕጊ ዝእዝዞውን ፋሲካ ይግበሩ።
ካብኡ ድማ ኽሳዕ ንግሆ ሓደ እኳ ኣይተትርፉ። ክሳዕ ንግሆ ዝኾነ እንተ ተረፈ ግና ብሓዊ ኣቃፅልዎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ሕጊ ፋሲካ እዙይ እዩ፦ ጓና ዝኾነ ኻብኡ ኣይብላዕ።
“ኣብ ሓንቲ ገዛ ይበላዕ፤ ካብቲ ስጋ ሓደ እኳ ኻብ ገዛ ንደገ ኣይተውፅኡ፤ ዓፅሙ ድማ ኣይትስበሩ።
ነቲ ስጋኡ ድማ ብሓዊ ጠቢሶም ብቕጫን መሪር ሓምልን ገይሮም በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ።
ብዅሉ መንገዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ደመና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ነበረሞ፥ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኣብኡ ነበረ።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ፥ ክመሲ እንተሎ ፋሲካ ኣብዕሉ። ከም ኵሉ ሕግጋቱን ከም ኵሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብዕልዎ።”
እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ “ካብኡ ሓደ ዓፅሚ እኳ ኣይስበርን እዩ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።