1 ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናይታ ኻልአይቲ ዓመት፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ክትበልዕዎ እንተለኹም ከዓ ሕቘኹም ተዓጢቕኩም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኣእቲኹም፥ ኣብትርትኹም ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ እዩ።
ክሳዕ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ኸዓ ሓልውዎ። ሽዑ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክመሲ እንተሎ ይሕረዱ።
ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ እቲ ድንኳን ተተኽለ።
“ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን፥ መሕደሪ ትኸሎ።
ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና፥ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦