5 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ሌዋውያን፥ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ኻልእ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ተሰሪዖም ነበሩ።
እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ካብ እግሩ ኽሳዕ ዕምበባኡ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዘርኣዮ ምስሊ ዝተገብረ ነበረ።
“ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ወሲድካ ኣንፅሃዮም።
በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፥ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ክፆሩ፥ ንእኡ ንምግልጋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽቖሙ፥ ብስሙ ንኽባርኹ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ ንነገድ ሌዊ ፈለዮም።