4 እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ካብ እግሩ ኽሳዕ ዕምበባኡ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዘርኣዮ ምስሊ ዝተገብረ ነበረ።
ወርቂ ቐጥቂጥካ ኽልተ ኪሩቤል ስራሕ፤ ኣብ ክልተ ወሰን እቲ መኽደን ድማ ግበሮም።
ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣቑሑኡን ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ጌርካ ስርሓዮ።
ነቲ ድንኳን ከምቲ ኣብ እምባ ዘርአኹኻ ጌርካ ትኸሎ።
ወርቂ ቐጥቂጡ ኽልተ ኪሩቤል ሰርሐ። ብኽልተ ወገኑ ነቲ መኽደን መስተስረዪ ገበሮ።
ኣሮን ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ፤ ነተን ቀናዲል ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ገበረን።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
እዚኣቶም ንምስልን ፅላሎትን፥ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ መቕደስ ዘገልግሉ እዮም። ስለዙይ ከዓ እዩ ንሙሴ ድንኳን ክገብር እንተሎ፥ “ኵሉ ኸምታ ኣብ እምባ ዝረአኻያ ምስሊ ጌርካ ተጠንቂቕካ ስራሕ” ዝበሎ።
እምበኣር ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፥ ምስሊ ዝኾነ፥ ብመስዋእቲ ኽነፅህ ግድን ካብ ኮነ፥ እቲ ሰማያዊ ነገራት ንባዕሉ ብዝሐሸ መስዋእቲ ኽነፅህ ግድን እዩ።