3 ኣሮን ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ፤ ነተን ቀናዲል ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ገበረን።
ነቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ ቀንዲሉ፥ ኵሉ መሳርሒኡን ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይትን፥
ነቲ ቐንዲል ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ።
“ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦ፦ ነተን ሸውዓተ ቐናዲል ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ክተቐምጠን እንተለኻ ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ግበር።”
እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ካብ እግሩ ኽሳዕ ዕምበባኡ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዘርኣዮ ምስሊ ዝተገብረ ነበረ።
መብራህቲ ኣብ ገዛ ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኸብርህ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ የንብርዎ እምበር፥ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኣየንብርዎን።