Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 8:26 - መፅሓፍ ቅዱስ

26 እቲ ዝተውሃቦም ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነሕዋቶም ይሓግዝዎም፤ ንሳቶም ግና ኣየገልግሉ። ንሌዋውያን ከምዙይ ጌርካ ሓሓላፍነቶም ሃቦም።”

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 8:26
10 Referencias Cruzadas  

እቶም ሌዋውያን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መቕደስን ክሕልዉ፥ ነቲ ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገብርዎ ኣገልግሎትውን ክሕግዙ፥ ተመዲቦም ነበሩ።


ኣብ ደገታት እታ ቤት ከዓ ሓለውቲ ክኾኑ፥ ኣብታ ቤት ከገልግሉስ፥ ኣብ መቕደሰይ ኣገልገልቲ ክኾኑ እዮም፤ ንሳቶም ንዝቃፀል መስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ እቲ ህዝብን ክሓርዱ ምእንቲ ኸገልግልዎም ከዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ክቖሙ እዮም።


ኣብታ መቕደሰይ ንኣኣቶም ክንዲ ኽንዳኻትኩም፥ ንኣገልግሎተይ መረፅኩምዎም እምበር፥ ነቲ ቕዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን።”


ግና ኣብ ህዝቢ እስራኤል ቍጥዓ ምእንቲ ኸይወርድ፥ ሌዋውያን ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይስፈሩ፤ ነቲ ድንኳን ከዓ ይሓልውዎ።”


ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ዀይኖም፥ ንመራኸቢ ድንኳን ይሓልዉ፤ ካልእ ሰብ ግና ናባኻትኩም ኣይቕረብ።


ሓለቓ ሹመኛታት ሌዋውያን ከዓ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም መቕደስ ክሕልዉ ዝተመረፁ ሓለቓኣቶም ነበረ።


ካብ ብፅሒት እቲ ህዝቢ ድማ ኸካብ ሓምሳ ምሩኻት ሰባት፥ ሓደ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ውሰዱ፤ ከምኡውን ካብ ከፍትን ኣእዱግን ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ ጌርኩም ውሰዱ። ነቶም ድንኳን እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ሌዋውያን ድማ ሃብዎም።”


ዕድመኣቶም ካብ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንላዕሊ ኸዓ ኻብ ስራሕ ኣገልግሎት የዕርፉ፤ ድሕሪኡውን ኣየገልግሉ።


እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ፥ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በዞም ነገራት እዚኣቶም፥ ኣፀቢቕካ ትጋህ፤ ንኽትፍፅሞም ከዓ፥ ኵለንትናካ ወፊ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos