25 ዕድመኣቶም ካብ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንላዕሊ ኸዓ ኻብ ስራሕ ኣገልግሎት የዕርፉ፤ ድሕሪኡውን ኣየገልግሉ።
ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም ቍፀሮም” በሎ።
“ሕጊ ሌዋውያን እዙይ እዩ፦ ሌዋውያን፥ ዕድመኣቶም ካብ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ንላዕሊ ናብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ይእተዉ።
እቲ ዝተውሃቦም ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነሕዋቶም ይሓግዝዎም፤ ንሳቶም ግና ኣየገልግሉ። ንሌዋውያን ከምዙይ ጌርካ ሓሓላፍነቶም ሃቦም።”
ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፤ ነቲ ጕያ ፈፂመ፤ ነታ እምነትውን ሓልየ እየ።