22 ድሕሪዙይ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣገልግሎቶም ክፍፅሙ ኣተዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ ከምኡ ገበሩሎም።
እቶም ሌዋውያን ካህናት ከዓ ተሲኦም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፤ ድምፆምውን ተሰምዐ፤ ፀሎቶምውን ናብ ቅዱስ ማሕደሩ ናብ ሰማይ ዓረገ።
ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን በብኽፍሎም መደቦም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኸም ምግልጋሉ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርቡን ከገልግሉን ኣብተን በርታት ሰፈር እግዚኣብሄር ክውድሱን ከመስግኑን ሰርዖም።
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣቑሑኡን፥ ኣብ ልዕሊ ናቱ ዝኾነ ሓለፍቲ ጌርካ መድቦም። ንሳቶም ነቲ ድንኳንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ይፁሩ። ንእኡ ኸዓ የገልግሉ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ድማ ይስፈሩ።
ድሕሪዙይ “ንሌዋውያን ምስ ኣንፃህኻዮምን፥ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ምስ ወፈኻዮምን፥ ንኣይ ምእንቲ ኸገልግሉኒ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይእተዉ።
ሌዋውያን ከዓ ካብ ሓጢኣት ነፅሁ፤ ክዳውንቶምውን ሓፀቡ። ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮም። ኣሮንውን ምእንቲ ኽነፅሁ ኣስተስረየሎም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦