Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 8:20 - መፅሓፍ ቅዱስ

20 ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን ከምኡ ገበሩሎም፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ደቂ እስራኤል ገበሩሎም።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 8:20
7 Referencias Cruzadas  

ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።


ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣቑሑኡን፥ ኣብ ልዕሊ ናቱ ዝኾነ ሓለፍቲ ጌርካ መድቦም። ንሳቶም ነቲ ድንኳንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ይፁሩ። ንእኡ ኸዓ የገልግሉ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ድማ ይስፈሩ።


እስራኤላውያን ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።


ደቂ እስራኤል ናብ መቕደስ ብምቕራቦም መዓት ምእንቲ ኸይወርዶም፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክንዲ ደቂ እስራኤል ከገልግሉ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ኸስተስርዩሎም፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፈልየ ንኣሮንን ንደቁን ውህብቶ ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።”


ሌዋውያን ከዓ ካብ ሓጢኣት ነፅሁ፤ ክዳውንቶምውን ሓፀቡ። ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮም። ኣሮንውን ምእንቲ ኽነፅሁ ኣስተስረየሎም።


እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ ድንኳን ተቐሚጡ ኽልተ መዓልቲ ወይ ሓደ ወርሒ፥ ወይ ሓደ ዓመት እንተ ፀንሐ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይፀንሑ ነበሩ እምበር ኣይጐዓዙን ነበሩ። ምስ ተልዓለ ግና ይጐዓዙ ነበሩ።


ንሳቶም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ክመሲ እንተሎ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ፋሲካ ኣብዓሉ። ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos