2 “ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦ፦ ነተን ሸውዓተ ቐናዲል ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ክተቐምጠን እንተለኻ ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ግበር።”
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፥ ንመንገደይ ብርሃን እዩ።
ምግላፅ ቃልካ ብርሃን ይህብ፤ ንህፃናት ድማ መስተውዓልቲ ይገብሮም።
“ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሸውዓተ መብራህቲ ግበረሉ። እቲ መብራህቲ ኸዓ ንቕድሚት ኣቢሉ ምእንቲ ኸብርህ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ኣንብሮ።
ብፅሩይ ወርቂ ገይሩ፥ መዀስተርን መዋህለሊ ርስሓትን ዘለዎ ሸውዓተ ቕሉዕ ቐንዲል ገበረ።
ነቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ ቀንዲሉ፥ ኵሉ መሳርሒኡን ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይትን፥
ነቲ ቐንዲል ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ።
ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
ነቲ ቐናዲል ኣብቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ የዳልዎ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ኣሮን ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ፤ ነተን ቀናዲል ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ገበረን።
“ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም፤ ኣብ እምባ ዘላ ኸተማ፥ ክትስወር ኣይትኽእልን እያ።
እቲ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን ግና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፀ እዩ።
ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።
መን ከም ዝተዛረበኒ ኽርኢ፥ ግልፅ በልኩ። ግልፅ ምስ በልኩ ድማ፥ ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ረአኹ።
ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረአኻዮም ሸውዓተ ኸዋኽብትን፥ ናይተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልን ምስጢር፥ እዙይ እዩ፤ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ፥ ናይተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት መላእኽቲ እዮም፤ እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልውን፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት እየን” በለኒ።
ካብቲ ዙፋን ከዓ፥ መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ወፀ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንውን፥ ሸውዓተ ናይ ሓዊ መብራህትታት ይበርሁ ነበሩ። ንሳቶም ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።