17 ኣብ ደቂ እስራኤል ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ናተይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ኣብ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ ዝቐተልኩላ መዓልቲ ንኣይ ቀደስክዎም።
ንዅሉ በዅሪ ሃገሮም፥ ንዅሉ በዅሪ ሓይሎም ቀተለ።
ኣብ ግብፂ ኻብ በዅሪ ሰብ፥ ክሳዕ በኵሪ እንስሳ ቐተለ።
ንብዘሎ በዅሪ ግብፂ ቐተለ፤ ነቶም ናይ መጀመርታ ሓይሊ ፍረ ዝኾኑ፥ ኣብ ድንኳናት ካም ቀተሎም፤
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብፂ፥ ካብቲ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ በዅሪ ፈርዖን፥ ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር ቀተለ፤ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ወቕዐ።
“ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መሰውእን ክቕድሶ እየ። ንኣሮንን ንደቁን ከዓ ኻህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ ኽቕድሶም እየ።
ኣብ ርእሲ እዙይ ከዓ እቲ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኣቶምን ምልክት ምእንቲ ክኾና ኢለ ሰናብተይ ሃብክዎም።
በዅሪ እንስሳ ዝኾነ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ኣይውፈን እዩ። በዅሪ ብዕራይ ኮነ በዅሪ በጊዕ ኵሉ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።
በዅሪ ዝኾነ ዅሉ ንኣይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ ዝወቓዕኹላ መዓልቲ፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ኣብ እስራኤል፥ ንኣይ ክኸውን መሪፀ ፈልየዮ እየ፤ ንኣይ ይኹኑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”
ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል ከዓ ንሌዋውያን ወሲደ ኣለኹ።
እዙይ ድማ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ በዅሪ ወዲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይበሃል” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዝነበረ እዩ።
ነቲ ኣብ፥ ዝቐደሶ፥ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ደኣ ‘ወዲ እግዚኣብሄር እየ’ ስለ ዝበልኩኹም፥ ከመይ ኢልኩም ‘ንእግዚኣብሄር ትፃረፍ ኣለኻ’ ትብሉኒ ኣለኹም?
ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኽቕደሱስ፥ ኣነ ምእንትኣቶም ንርእሰይ እቕድስ ኣለኹ።
ንወዲ እግዚኣብሄር ዝረገፀ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ፥ ነቲ ፀጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግዳ፥ ክንደይ ዝገደደ ቕፅዓት ዝግብኦ ይመስለኩም!
እቲ በዅሪ ዝቐስፍ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቐርቦም፥ ብእምነት ስርዓት ፋሲካን ምንፃግ ደምን ገበረ።
ናይ ኵሉ ፍጥረቱ በዅሪ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፥ ከም ፍቓዱ፥ ብቓል ሓቂ ወለደና።