16 እቶም ንኣይ ተፈልዮም ዝተውሃቡ እስራኤላውያን ንሳቶም እዮም። ክንዲ ዅሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ንኣይ ፈልየዮም እየ።
“እንሆ፥ ኣነ ኽንዲ እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ማህፀን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል መሪፀ ፈልየዮም እየ እሞ፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ።
በዅሪ ዝኾነ ዅሉ ንኣይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ ዝወቓዕኹላ መዓልቲ፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ኣብ እስራኤል፥ ንኣይ ክኸውን መሪፀ ፈልየዮ እየ፤ ንኣይ ይኹኑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”
“ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን፥ ክንዲ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ከዓ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ውሰድ። ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
“ንነገድ ሌዊ ኣምፅኣዮም፤ ምእንቲ ኸገልግልዎ ድማ ናብ ኣሮን ካህን ኣቕርቦም።
ንሌዋውያንውን፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም፤ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ተፈልዮም ንኣይ ከገልግሉ ተውሂቦም እዮም እሞ።