15 ድሕሪዙይ “ንሌዋውያን ምስ ኣንፃህኻዮምን፥ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ምስ ወፈኻዮምን፥ ንኣይ ምእንቲ ኸገልግሉኒ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይእተዉ።
ነዝ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርበለይ።
“እንሆ፥ ኣነ ኽንዲ እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ማህፀን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል መሪፀ ፈልየዮም እየ እሞ፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ።
ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፥ ንስራሕ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ድልዋት ምእንቲ ክኾኑ፥ ደቂ እስራኤል ዝውፍይዎ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ናብ እግዚኣብሄር የቕርቦም።
ንሌዋውያን፥ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ደቁን ኮይኖም ከገልግሉ ኣቕርቦም፤ ንኣይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኸዓ ወፍዮም።
እቶም ንኣይ ተፈልዮም ዝተውሃቡ እስራኤላውያን ንሳቶም እዮም። ክንዲ ዅሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ንኣይ ፈልየዮም እየ።