14 ሌዋውያን ንኣይ ምእንቲ ክኾኑ ኸምዙይ ጌርካ ኻብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፍለዮም።”
“በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ ንሳቶም ገንዘበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዘገልግሎ ውሉዱ ዝምሕሮ፥ ክምሕሮም እየ።
እንሆ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ሓርየ፤ ንኣኻትኩም ዝሃብኩኹም ውህብቶ እዮም። ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንኣይ ዝተወፈዩ እዮም።
“እንሆ፥ ኣነ ኽንዲ እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ማህፀን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል መሪፀ ፈልየዮም እየ እሞ፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ።
“ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን፥ ክንዲ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ከዓ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ውሰድ። ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ንሌዋውያንውን፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም፤ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ተፈልዮም ንኣይ ከገልግሉ ተውሂቦም እዮም እሞ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ናዝራዊ ክኸውን ንእግዚኣብሄር ክውፈ እንተ ተመባፅዐ፥
ንሌዋውያን፥ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ደቁን ኮይኖም ከገልግሉ ኣቕርቦም፤ ንኣይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኸዓ ወፍዮም።
ኣብ ደቂ እስራኤል ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ናተይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ኣብ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ ዝቐተልኩላ መዓልቲ ንኣይ ቀደስክዎም።
ሃዋርያ ክኸውን ካብ ዝተፀውዐን፥ ንወንጌል እግዚኣብሄር ዝተፈለየን፥ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ፥ ካብ ጳውሎስ ዝተፅሓፈት መልእኽቲ።
እቲ ኣብ ማህፀን እነይ እንተለኹ ዝሓረየኒ፥ ብፀጋኡውን ዝፀውዐኒ እግዚኣብሄር፥
በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፥ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ክፆሩ፥ ንእኡ ንምግልጋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽቖሙ፥ ብስሙ ንኽባርኹ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ ንነገድ ሌዊ ፈለዮም።
ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።