13 ንሌዋውያን፥ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ደቁን ኮይኖም ከገልግሉ ኣቕርቦም፤ ንኣይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኸዓ ወፍዮም።
እንሆ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ሓርየ፤ ንኣኻትኩም ዝሃብኩኹም ውህብቶ እዮም። ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንኣይ ዝተወፈዩ እዮም።
ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፥ ንስራሕ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ድልዋት ምእንቲ ክኾኑ፥ ደቂ እስራኤል ዝውፍይዎ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ናብ እግዚኣብሄር የቕርቦም።
“ሌዋውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቶም ዝራብዓት ኣእዳዎም የንብሩ፤ ንሌዋውያን ምእንቲ መስተስረዪ ኸዓ፥ እቲ ሓደ ንሓጢኣት መስዋእቲ፥ እቲ ኻልኣይ ከዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ጌርካ፥ ንእግዚኣብሄር ኣቕርብ።
ሌዋውያን ንኣይ ምእንቲ ክኾኑ ኸምዙይ ጌርካ ኻብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፍለዮም።”
ሌዋውያን ከዓ ካብ ሓጢኣት ነፅሁ፤ ክዳውንቶምውን ሓፀቡ። ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮም። ኣሮንውን ምእንቲ ኽነፅሁ ኣስተስረየሎም።
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
እዙይ ከዓ፥ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ መስዋእቲ ኾይኖም ዝቐረቡ ኣህዛብ፥ ብኣምላኽ ቅቡላት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካህን ወንጌል ኣምላኽ ኮይነ፥ ንኣህዛብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ምእንቲ ክኸውን እዩ።