1 እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ።
“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ቐዋሚ ቐንዲል ስራሕ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ እግሩን ዘንጉን ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ጌርካ ስርሓዮ። ነቲ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባን፥ ነቲ ጕንዱ ዝመዓጐ ዕምበባን ዝመስል፥ ኣሰራርሓኡ ኸም ፅዋዕ ጌርካ ስርሓዮ።
ሌዋውያን ግና በብማይ ቤት ኣቦታቶም ምስኣቶም ኣይተቘፀሩን።
ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን ዘሎ መኽደኒ መስተስረዪ፥ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል እቲ ድምፂ ኽዛረቦ ይሰምዕ ነበረ። ንሱ ድማ ይዛረቦ ነበረ።
“ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦ፦ ነተን ሸውዓተ ቐናዲል ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ክተቐምጠን እንተለኻ ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ግበር።”
በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፥ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ክፆሩ፥ ንእኡ ንምግልጋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽቖሙ፥ ብስሙ ንኽባርኹ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ ንነገድ ሌዊ ፈለዮም።