9 ንደቂ ቃዓት ግና፥ ኣገልግሎት መቕደስ ናታቶም እዩሞ፥ ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ ነበሩሞ፥ ሙሴ ሓደ እኳ ኣይሃቦምን።
እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሽዱሽተ ስጕምቲ ምስ ሰጐሙ፥ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ዝራብዕን ሰውአ።
ንሳቶም ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኰረብታ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዖዛን ኣሕዮን፥ ደቂ ኣሚናዳብ፥ ይመርሕዎ ነበሩ።
ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ በፅሑ ግና፥ እቶም ነቲ ሰረገላ ዝስሕቡ ኣብዑር ይፋንኑ ስለ ዝነበሩ፥ ዖዛ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ።
ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መፁ ኸዓ፥ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ።
ዳዊት ከዓ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብታ ዘሳናደወሉ ቦታ ምእንቲ ኸደይቦ፥ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።
ስለዙይ ሌዋውያን ንድንኳንን እቲ ንእኡ ዘድሊ ኣቑሑን ክፆሩ ኣየድልዮምን እዩ” ኢሉ ነበረ።
ሓላፍነቶም ታቦት ኪዳንን ጠረጴዛን ቀዋሚ ቐንዲልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑን፥ መጋረጃ ቕድስተ ቅዱሳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።