89 ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን ዘሎ መኽደኒ መስተስረዪ፥ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል እቲ ድምፂ ኽዛረቦ ይሰምዕ ነበረ። ንሱ ድማ ይዛረቦ ነበረ።
ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቶም ካብ ኣውሊዕ ዝተፀረቡ ኽልተ ኪሩቤል ገበረ።
ንዮሴፍ ከም መጓሰ ኣባጊዕ እትመርሕ፥ ኦ ጓሳ እስራኤል፥ ፅን በል። ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፥ ተገለፅ።
እግዚኣብሄር ነገሰ፤ ኣህዛብ ይደንግፁ፤ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐመጠ፤ ምድሪ ትናወፅ።
ብድሕሪኡ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ደመና ሸፈኖ፤ ነቲ ድንኳን ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር መልኦ።
እቲ ደመና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓረፈ፥ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ነቲ ድንኳን መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ ሙሴ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣቱ ኣይከኣለን።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ፀውዖ፤ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኑ ድማ ኸምዙይ በሎ፦
ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና፥ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸንብር እየ። ንስኻ በይንኻ ኸይትፆሮ ድማ፥ ፆር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኽፆሩ እዮም።
ምስኡ ኣፍ ንኣፍ እየ ዝዛረብ፤ ብስዉር ዘይኮነ ብግልፂ እየ ዝዛረቦ እምበር ብምስላ ኣይኮነን፤ ምስሊ እግዚኣብሄርውን ይርኢ። ከመይከ ኣብ ልዕሊ ባርያይ ሙሴ ንምዝራብ ዘይፈራሕኹም?”
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ።
ኣምላኽ ከዓ፥ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም እምበር፥ ንባዕላቶም ከም ዘይኮነ ገለፀሎም። እዝ ነገራት እዙይ፥ በቲ ኻብ ሰማይ ዝተልኣኸ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፥ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ልኡኻት፥ ሕዚ ተነጊሩኩም ኣሎ። ነዝ ነገር እዙይ፥ መላእኽቲ እውን ክሪእዎ ይምነዩ እዮም።
እቶም ህዝቢ ናብ ሴሎ ልኢኾም፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝነብር ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ታቦት ኪዳን ኣምፅእዎ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኦፍኒን ፊንሓስን ድማ ምስቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ መፁ።