Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 7:88 - መፅሓፍ ቅዱስ

88 ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዓት፥ ስሳ ማጓሉ፥ ስሳ ዲበላታት፥ ዓመት ዝገበሩ ስሳ ጡበታት ኣባጊዕ ነበሩ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመቐደሲኡ ዝተውሃበ መባእ እዙይ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 7:88
5 Referencias Cruzadas  

ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ እንስሳ ድማ ነቲ ስብሑ፥ ሕልሕሉ ብምሉኡ ኻብ ቀራፂቶ ፈልዩ፥ ነቲ ውሽጣዊ ኣካል ዝኸድን ስብሕን ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኣካል ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ንኽልቲአን ኵላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ነቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ።


ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሙሴ ነቲ ድንኳን ተኺሉ ምስ ወድአ፥ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፥ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቑሑኡንውን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን።


እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመባረኺኡ ዝኸውን መባእ ኣምፅኡ፤ ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኸዓ ኣቕረቡ።


በታ መሰውኢ ዝተቐብአላ መዓልቲ ሹመኛታት እስራኤል ንመቐደሲኡ ክኸውን ዘቕረብዎ መባእ ኸምዙይ እዩ፦ ዓሰርተ ኽልተ ፃሕሊ ብሩር፥ ዓሰርተ ኽልተ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ዓሰርተ ኽልተ ፅዋዕ ወርቂ።


ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ዓሰርተ ኽልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኽልተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኾኑ። ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽሊ ነበረ። ስለ ሓጢኣት ዝስውኡ ኸዓ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos