87 ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ዓሰርተ ኽልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኽልተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኾኑ። ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽሊ ነበረ። ስለ ሓጢኣት ዝስውኡ ኸዓ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ነበሩ።
እተን ዕጣን ዝመልኣ ዓሰርተ ኽልተ ፅዋዕ ወርቂ ነንፅዋዕ ብሚዛን መቕደስ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝምዘና ነበራ። ኵለን እተን ፅዋዓት ወርቂ ኸዓ ዕስራን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ኮና።
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዓት፥ ስሳ ማጓሉ፥ ስሳ ዲበላታት፥ ዓመት ዝገበሩ ስሳ ጡበታት ኣባጊዕ ነበሩ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመቐደሲኡ ዝተውሃበ መባእ እዙይ ነበረ።