72 ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ፋግኤል ወዲ ዖክራን፥ ሹም ደቂ ኣሴር ነበረ።
ካብ ኣሴር፥ ፋግኤል ወዲ ኤክራን፥
ካብኡ ቐፂሎም ዝሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ፋግኤል ወዲ ኤኽራን እዩ።
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ እዙይ እዩ።
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥