65 ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን እዙይ እዩ።
ካብ ብንያም፥ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥
ቀፂሉ ድማ ነገድ ብንያም ይስፈር፤ ሹም ደቂ ብንያም ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን እዩ።
እግዚኣብሄር፥ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል፥ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎን፥ ኣብ ሰማያት ዘሎን፥ ምስ ባዕሉ ዓረቖ።