60 ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥ ሹም ደቂ ብንያም ነበረ።
ካብ ብንያም፥ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥
ቀፂሉ ድማ ነገድ ብንያም ይስፈር፤ ሹም ደቂ ብንያም ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን እዩ።
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥