6 ሙሴ ድማ ነተን ሰረገላታትን ነቶም ኣብዑርን ወሲዱ ነቶም ሌዋውያን ሃቦም።
ከምኡውን፦ ‘ንህፃናትኩምን ነንስትኹምን ዝኾና ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብፂ ውሰዱ፤ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምፁ።
ነቲ ድንኳን ነቐልዎ፤ ደቂ ጌድሶንን ደቂ ሜራርን ድማ ነቲ ድንኳን ፆይሮም ተጕዓዙ።
“ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ንመስርሒ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መባእ ካብኣቶም ተቐቢልካ፥ ነቶም ሌዋውያን ንነፍሲ ወከፎም ከከም ኣገልግሎቶም ሃቦም” በሎ።
ንደቂ ጌድሶን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላታትን ኣርባዕተ ኣብዑርን ሃቦም።