59 ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዙይ እዩ።
እቲ ቝርባን መስዋእቲ ምስጋና እንተ ኾይኑ፥ ካብ መጓሰ ኸፍቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ።
ምስኡ ለጊቡ ኸዓ ነገድ ምናሴ ይስፈር። ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዩ።
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥